SPORTS

ዳኒኤል ተክለሃይማኖተ ዓወት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ

ፕሮፎሽናል ተቀዳዳማይ ኤርትራዊ ዳኔኤል ተክለሃይማኖት ትማሊ ኣብ ዘካየደኦ 3ይ መድራክ ቱር ዲ ፍርንስ ኣብ ናይ ዓቀብ ወድድር 1ይ ብምውጻ ዓቢ ታሪክ ኣብ መድረክ ቱርዲ ፍራንስ ሰሪሑ።

Read More

ዜና ስፓርት

ent
Sports

ኮሮና ቫይረስ እንተዘየጋጥም ,,,,,

ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ተቛሪጹ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብሻቕሎት እዚ ቫይረስ በቲ ሓደ ናይዚ ዓመት ውድድራት መዓልቦ ብዘይ ምርካቦም ከኣ በቲ ካልእ ኣብ ዘይቀሰኑሉ ግዜ፡ ገለ ገለ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ እዚ ለበዳ እንተዘየጋጥም ኔሩ ዝተፈላለዩ ውድድራት ብኸመይ ምተወድኡ ክብሉ ይመራመሩ ኣለዉ። ሎሚ ዓመት ዘውዲ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ መን ምወሰደት ኔራ ዘባእስ ዘለዎ ኮይኑ ኣይስመዓካን። ይኹን’ምበር እዞም ተንተንቲ፡ ሊቨርፑል ዘውዲ ሻምፕዮን ጋንታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ክትወስድ ክሳብ 20 ሚያዝያ 2020 ምተጸበየት ኔራ’ዮም ዝብሉ። እዛ ጋንታ 20 ሚያዝያ ንብራይተን ብሸቶ ሮበርቶ ፈርሚኒዮ ተሓጊዛ 1ብ0 ምስ ረተዐታ ጽዋእ ፕሪመር ሊግ ምዓተረት ኔራ በሃልቲ’ዮም እዞም ናይ መርበብ ሓበሬታ ቶክ ስፖርት ተንተንቲ

ent
Sports

ተጻወትቲ ባርሴሎና 70% ደሞዞም ክጎድል ተሰማሚዖም

ሊዮነል መሲ ዝርከቦም ተጻወትቲ ባርሴሎና፡ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ገጢሙ ንዘሎ ፊናንሳዊ ቅልውላው ክለቦም ንምፍታሕ መሃያኦም ብ70 ሚእታዊት ክጎድል ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ። ኣብ እስጳኛ፡ ብቫይረስ ኮቪድ-19 ልዕሊ 7500 ሰባት ህይወቶም ኣብ ዝሰኣኑሉ እዋን፡ ክለባት ኣብ መኸተ ናይዚ ለበዳ እጃመን ከበርክታ ተጻወትቲ ባርሴሎና ብመገዲ ሓለቓ ጋንታኦም ሊዮነል መሲ ገሊጾም።

ent
Sports

በርናቡ መከፋፈሊ ናውቲ ሕክምና ኮይኑ

ስጳኛዊት ሪያል ማድሪድ ንታሪኻዊ ሜዳኣ በርናቡ ኣብ ምቅላስ ኮሮኖ ቫይረስ ክሰርሕ ከም ዘፍቀደት ሓቢራ። ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ጥዕና ስጳኛን እዛ ጋንታን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ስታድየም በርናቡ መዕቆብን መከፋፈልን ሕክምናዊ ናውቲ ኮይኑ ከገልግል’ዩ። ዝሓለፈ ቅንያት ናይ ከተማ ማድሪድ ጋንታታት ዝኾና ሪያል ማድሪድን ኣትለቲኮ ማድሪድን ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምና ንምምሕዳር ከተማ ማድሪድ ከም ዘበርከታ ኣይርሳዕን። እንሆ ሕጂ ኸኣ ፕረሲደንት ሪያል ማድሪድ ፍሎረንቲኖ በርናቡ መከፋፈሊ ናውቲ ሕክምና ኮይኑ ፐረዝ ኣስታት 78 ሽሕ ተዓዘብቲ ንዝሕዝ ስታድየም በርናቡ፡ ኣብ ምቅላስ

ent
Sports

ማርቲነዝ ዝርርብ ጀሚሩ

ኣጥቃዓይ ኢንተር ሚላን ላውታሮ ማርቲነዝ ምስ ዝተፈላልያ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳ ዝርርብ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። ማርቲነዝ ዋላ’ኳ ካብ ስጳኛውያን ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ባርሰሎናን ተገዳስነት ረኺቡ እንተሎ ወኪል እዚ ተጻዋታይ ግን ምስ ካልኦት ጋንታታት ዝርርብ ከም ዝጀመረ ምግላጹ ነዘን ስጳኛውያን ጋንታታት ኣብ ስግኣት ኣውዲቑወን። እዚ ወዲ 22 ዓመት ተጻዋታይ ኣብዚ ወቕቲ ማልያ ኢንተር ሚላን ወድዩ ድንቂ ብቕዓት ከም ዘርኣየ ክኢላታት ኩዕሶ እግሪ ይምስክሩ። ክሳብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ኢጣሊያን ኤውሮጳን ዝቋረጽ ኣብ ዝተፈላለየ ጸወታታት ነዛ ሳን ሲሮ ዝመደበራ ጋንታ 16

ent
Sports

ኦለምፒክ ቶክዮ ዝካየደሉ ዕለት ተወሲኑ

ከተማ ቶክዮ ተአንግዶ ውድድራት ኦለምፒክን ፓራኦለምፒክን ዝካየደሉ ዕለት ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ውድድራት ኦለምፒክ ቶክዮ ኣቐዲሙ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንዓመታ ከም ዝተሰጋገረ ኣይርሳዕን። እዚ ናይ ምንዋሕ መስርሕ ብፕረሲደንት ኣዳላዊት ኮሚተ ከተማ ቶክዮ ዮሺሮ ሞሪ ከም ዝቐረበ ብተወሳኺ ተፈሊጡ’ሎ። ውድድራት ኦለምፒክ ምንውሑ፡ ስፖርተኛታት ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብ ጎኒ ስድራቤቶም ዝኾኑሉ እኹል ግዜ ክረኽቡ ዕድል ከም ዝሃበ ዝሓበረ ማሕበር ኣትለቲክስ ዓለም ብወገኑ፡ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2022 ብዘይ ዝኾነ ጸገም ንኽካየድ ዓቢ ዕድል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኦለምፒክ ቶክዮ ዝካየደሉ ዕለት ተወሲኑ ዝርከባ ዘለዋ።

ent
Sports

መጻኢ ሃሪ ኬይን ናበይ?

ሓደ ካብ ብሉጻት ኣጥቃዕቲ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ምዃኑ ዝእመነሉ እንግሊዛዊ ሃሪ ኬይን፡ ማልያ ቶተንሃም ወድዩ ምጽዋት ከም ዘሰልቸዎ ምስቲ ተጻዋታይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ገሊጾም። ሃሪ ኬይን ምስ’ዛ ዘዕበየቶ ጋንታ ዘለዎ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ መጻኢኡ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ጋንታ ነዚ ተጻዋታይ ክትደልየሉ ትኽእል ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ኣብ ሸውዓተ ናይ ፍጻመ ጸወታታት ሻምፕዮንስ ሊግ ዘጋጠማ ሕማቕ ስዕረት ንምፍዋስ’ያ። ኬይን ኣብ ጎኒ ክርስትያኖ ሮናልዶን ፓውሎ ዲባላን እንተደኣ ኣቐሚጣቶ ኸኣ ሓሳብ ልባ ክሰምረላ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሕበር። ኬይን ብወገኑ ምስ’ዛ ኢጣሊያዊት ጋንታ ኮይኑ እቲ ዝደልዮ ወናጩ ክዓትር ከም ዝኽእል ተንተንቲ ሰሪ ኣ ኢጣሊያ ይሕብሩ። ጁቬንቱስ ኣብ ሰሪ ኣ ኢጣሊያ ንሸሞንተ ተኸታታሊ ዓመታት ክትዕወት ምኽኣላ ነቲ ውድድር ዳርጋ ናይ ብሕታ’ያ ጌራቶ ዘላ። ሪያል ማድሪድ ብወገና ንሃሪ ኬይን ከም መተካእታ ኸሪም በንዘማ ክትጥቀመሉ ካብ ትሓስብ ዓመታት ሓሊፉ’ዩ። ወዲ 32 ዓመት ከሪም በንዘማ ዋላ’ኳ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስመር መጥቃዕቲ ሪያል ማድሪድ ምስቶም ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እንተኾነ፡ ኬይን ምስ ዝመጽእ ግን ናይ ምስንባቱ ዕለት ከም ዝኣኸለ ክስወጦ’ዩ። ካብ ቶተንሃም ናብ ሪያል ማድሪድ ዝተሰጋገሩ ተጻወትቲ ኸኣ ወትሩ ዕዉታት ክኾኑ ልሙድ ተርእዮ’ዩ። ኣቐዲሞም ካብ ቶተንሃም ናብ ሪያል ማድሪድ ዝተሰጋገሩ ሉካ ሞድሪችን ጋረዝ በይልን እታ

ent
Sports

ሊቨርፑል ንሳላሕ ከይትኸስሮ ትሰግእ

ድሕሪ 30 ዓመት ንፈለማ ግዜ ጽዋእ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ከይትዓትር ተዓንቂጻ ዘላ ሊቨርፑል፡ ዝመጽእ ወቕቲ ንብሉጽ ኣጥቃዓይ ሞ ሳላሕ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክትከስሮ ከም ትኽእል ይግለጽ ኣሎ። እዚ ዝግለጽ ዘሎ ሓለፍቲ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ነዚ ኣጥቃዓይ ኣብቲ ዝመጽእ ጽግያ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ውድድራት ኦለምፒክ ክሳተፍ ይደልይዎ ብምህላዎም’ዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ካሜሮን ኣብ ክራማት ከተአንግዶ ተወጢኑ ዝነበረ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021 ኣቐዲሙ ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት ክካየድ ከም ዝተወሰነ ኣይርሳዕን። ነዚ ናይ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ውሳነ ኣብ ግዜኡ “ቀታሊ” ክብል ዝገለጾ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ጀርገን ክሎፕ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ዜና እንታይ ምላሽ ክህበሉ’ዩ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።